Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ይ ዜና 26:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4-5 እግዚኣብሄር ንዖቤድኤዶም ውሉድ ብምሃብ ባረኾ፤ በዅሩ ሸማያ፥ ካልኣይ ዮዛባት፥ ሳልሳይ ኢዮኣስ፥ ራብዓይ ሳካር፥ ሓምሻይ ናትናኤል፥ ሻድሻይ ዓሚኤል፥ ሻውዓይ ይሳኮር፥ ሻምናይ ፒላቲ ነበሩ።

Ver Capítulo Copiar




1 ይ ዜና 26:4
11 Referencias Cruzadas  

ስለዙይ ዳዊት ንታቦት እግዚኣብሄር ናብ ከተማኡ ኸእትዎ ስለ ዘይፈተወ፥ ናብ ቤት እቲ ጌታዊ ኣቢዳራ ኣእተዎ።


እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ቤት እቲ ጌታዊ ሰብ ኣብ ኣቢዳራ ሰለስተ ወርሒ ተቐመጠ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣቢዳራን ንዅላ ቤቱን ባረኸ።


እግዚኣብሄር ምእንቲ ታቦት ኪዳን ኢሉ ንቤት ኣቢዳራን ንዘለዎ ዅሉን ከም ዝባረኸሉ ሰሚዖም ንንጉስ ዳዊት ነገርዎ። ሽዑ ዳዊት ከይዱ ንታቦት እግዚኣብሄር ካብ ቤት ኣቢዳራ ብሓጐስ ናብ ከተማ ዳዊት ኣምፅኦ።


እቲ ታቦት ኣምላኽ ከዓ ምስ ስድራ ኣቢዳራ ጌትያዊ ሰለስተ ወርሒ ተቐመጠ። እግዚኣብሄር ድማ ንቤት ኣቢዳራን ንዅሉ ዘለዎን ባረኾ።


ምስኣቶም ድማ ኣብቲ ኻልኣይ መዓርግ ኣሕዋቶም ንዝኾኑ ንዘካርያስ፥ ንቤን፥ ንያዝኤል፥ ንሰሚራሞት፥ ንይሒኤል፥ ንዑኒ፥ ንኤሊያብ፥ ንበናያስ፥ ንመዕሴያ፥ ንመቲትያ፥ ንኤሊፍሌሁ፥ ንሚቅኔያ፥ ነቶም ሓለውቲ ድንኳን ዝኾኑ ዖቤድኤዶምን ንይዒኤልን ኣቖሙ።


ማቲትያን ኤልፍሌሁን ሚቅኔያን ዖቤድኤዶምን ይዒኤልን ዓዛዝያን ድማ ሸሞንተ ኣውታር ብዘለዎ በገና ይቓንዩ ነበሩ።


ሰበኒያን ኢዮሳፋጥን ናትናኤልን ኣማሳይን ዘካርያስን በናያስን ኣልዓዛርን፥ እቶም ካህናት፥ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። ዖቤድኤዶምን ይሒያምን ከዓ ሓለውቲ በሪ ታቦት ነበሩ።


ንዖቤድኤዶምን ነቶም ስሳን ሸሞንተን ኣሕዋቶምንውን ምስኣቶም ሓደጎም። ዖቤድኤዶም ወዲ የዱቱንን ሖሳን ሓለውቲ በሪ ነበሩ።


ንኣሳፍ ሓለቓ ገበሮ፤ ብድሕሪኡ ድማ ንዘካርያስ ካልኣዩ ገበሮ፤ ንይዒኤልን ሰሚራሞትን ይሒኤልን መቲትያን ኤልያብን በናያስን ዖቤድኤዶምን ይዒኤልን ድማ መሰንቆን በገናን ክቓንዩ መረፆም። ኣሳፍ ከዓ ብፀናፅል ክቓኒ ተመረፀ።


ሓምሻይ ዔላም፥ ሻድሻይ ይሆሓናን፥ ሻውዓይ ኤሊሆዔናይ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos