2 ሜሱላም ደቂ ነበርዎ፤ በዅሩ ዘካርያስ፥ ካልኣይ ይዲኤል፥ ሳልሳይ ዮዛባት፥ ራብዓይ የትኒኤል፥
ሓለውቲ ቤተ መቕደስ ድማ ኸምዙይ ኮይኖም ተሰርዑ፦ ካብ ቆሬያውያን፦ ሜሱላም ወዲ ቆሬ ኻብ ደቂ ኣሳፍ።
ሓምሻይ ዔላም፥ ሻድሻይ ይሆሓናን፥ ሻውዓይ ኤሊሆዔናይ።
ዘካርያስ ወዲ ሜሱላም ሓላዊ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ነበረ።