Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ይ ዜና 26:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 እቶም ሓለውቲ በርታት ቤተ መቕደስ፥ በብማይ ቤቶም ኣብ ብዙሕ ክፍሊ ተመደቡ። ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከገልግሉ ኸዓ ኸምቶም ኣሕዋቶም ሌዋውያን ሓላፍነት ተቐበሉ።

Ver Capítulo Copiar




1 ይ ዜና 26:12
7 Referencias Cruzadas  

መፂኦም ድማ ንሓለውቲ ደገ እታ ኸተማ ፀዊዖም “ናብ ሰፈር ሶርያውያን ኬድና ኔርና፤ ኣብኡ ኸዓ እሱራት ኣፍራስን እሱራት ኣእዱግን ድንኳናትውን ከም ዘለዎ እምበር፥ ሰብ ኮነ፤ ድምፂ ሰብ የለን” ኢሎም ነገሩ።


ነናቶም ኣገልግሎት ምእንቲ ኽፈልጡ ድማ ንእሽተይ ኮነ ዓብዪ፥ መምህር ኮነ ተምሃሪ፥ ማዕረ ገይሮም ዕፃ ኣውደቑ።


ካልኣይ ኬልቅያስ፥ ሳልሳይ ጥበልያ፥ ራብዓይ ዘካርያስ ነበረ። ናይ ሖሳ ደቅን ኣሕዋትን ኵሎም ዓሰርተ ሰለስተ ነበሩ።


ዓቢይን ንእሽተይን ማይ ቤት እንተይበሉ ኣየናይ ኣፍ ደገ ኸም ዝሕልዉ ምእንቲ ኽፈልጡ ዕፃ ኣውደቑ።


ንሳቶምን ደቆምን ከዓ ነቲ ደገታት ድንኳን ተብሂሉ ዝፅዋዕ ዝነበረ ቤት እግዚኣብሄር ይሕልዉ ነበሩ።


ቆሬ ወዲ ይምና ሌዋዊ፥ ሓላዊ እታ ምብራቓዊት በሪ ኸዓ ነቲ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርብ መባእን ነቲ ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየ ውህብቶን ነቲ ብድሌት ንኣምላኽ ዝተሰውአ መባእን፥ ክቕበልን ክዕድልን ተሸመ።


እቶም መዘምራን ደቂ ኣሳፍ ድማ፥ ከምቲ ዳዊትን ኣሳፍን ሄማንን ኤደታም እቲ ናይ ንጉስ ረኣዪን ዝሰርዕዎ፥ ኣብ ስፍራኦም ቆሙ፤ እቶም ሓለውቲ በርታትውን፥ ኣሕዋቶም ሌዋውያን የዳልዉሎም ስለ ዝነበሩ፥ ካብ ሰፈሮም ከግልሱ ኣየድልዮምን ነበረ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios