10 ካብ ደቂ ሜራሪ ንዝኾነ ንሖሳ ደቂ ነበርዎ፤ ሽምሪ ሓለቓ ነበረ፤ ንሱ በዅሪ እኳ እንተ ዘይኮነ፥ ኣቦኡ እንተሎ ዋና ገበሮ።
ንዖቤድኤዶምን ነቶም ስሳን ሸሞንተን ኣሕዋቶምንውን ምስኣቶም ሓደጎም። ዖቤድኤዶም ወዲ የዱቱንን ሖሳን ሓለውቲ በሪ ነበሩ።
ካልኣይ ኬልቅያስ፥ ሳልሳይ ጥበልያ፥ ራብዓይ ዘካርያስ ነበረ። ናይ ሖሳ ደቅን ኣሕዋትን ኵሎም ዓሰርተ ሰለስተ ነበሩ።
ሜሱላምውን ዓሰርተ ሸሞንተ ንፉዓት ሰባት ደቅን ኣሕዋትን ነበርዎ።