1 መደብ ኣገልግሎት ደቂ ኣሮን እዙይ እዩ፦ ደቂ ኣሮን ናዳብን ኣብዩድን ኣልኣዛርን ኢታምርን ነበሩ።
ዳዊት ድማ ንደቂ ሌዊ ኸከም ማይ ቤቶም፦ ንጌድሶን፥ ንቀኣትን፥ ንሜራሪን ኣብ ሰለስተ መቐሎም።
ከምኡውን ኣመዳድባ ኻህናትን ሌዋውያንን፥ ብዛዕባ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄርን፥ ብዛዕባ እቲ ዅሉ ኣቑሑ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄርን መምርሒ ሃቦ።
ደቂ እንበረም፦ ኣሮን፥ ሙሴ፥ ማርያም እዮም። ደቂ ኣሮን፦ ናዳብ፥ ኣብዩድ፥ ኣልኣዛር፥ ኢታምር እዮም።
ወዲ ሕልቃና፥ ወዲ ይሮሓም፥ ወዲ ኤሊኤል፥ ወዲ ቶዋ፥
ዮዳሄ፥ ነቶም ክሰርሑ ዝሓደሩ ኣየሰናበቶምን ነበረ እሞ፥ እቶም ሌዋውያንን ኵሎም ይሁዳን፥ ከምቲ ዅሉ ኻህን ዮዳሄ ዝኣዘዞም ገበሩ፤ ነፍሲ ወከፍ ነቶም ብሰንበት ናብ ስራሕ ዝኣትዉ ምስቶም ብሰንበት ካብ ስራሕ ዝወፁ ገይሮም፥ ሰሰቦም ይወስዱ ነበሩ።
ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን በብኽፍሎም መደቦም። ንነፍሲ ወከፎም ከዓ ኸም ምግልጋሉ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ከቕርቡን ከገልግሉን ኣብተን በርታት ሰፈር እግዚኣብሄር ክውድሱን ከመስግኑን ሰርዖም።
እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኻህናት ካብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ወፁ። ኵሎም እቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኻህናት ከዓ ናይ ኣየንኡ ኽፍሊ ምዃኖም እንተይተፀበዩ ተቐዲሶም ነበሩ።
ከምቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣቦኡ ዳዊት፥ ሰሪዕዎን ኣዚዝዎን ዝነበረ ድማ ነቶም ካህናት በብመዓልቶም ከገልግሉ፥ ነቶም ሌዋውያን ከዓ በብመዓልቶም ከምቲ ዝግባእ ንእግዚኣብሄር ከመስግኑን ነቶም ካህናት ክሕግዙን መደቦም። ነቶም ሓለውቲ በርታት ከዓ በብኽፍሎም ኣብ ደገ ኽሕልዉ ኣቖሞም።
ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ ኸዓ ኻህናት በብስርዓቶም ሌዋውያን በብኽፍሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ከገልግሉ ኣቖሙ።
ወዲ ኣቢሱ፥ ወዲ ፊንሃስ፥ ወዲ ኣልዓዛር፥ ወዲ ኣሮን ሊቀ ካህናት፥
“ንስኻ ኸዓ ንሓውካ ኣሮንን፥ ንደቁ ናዳብን ኣብዩድን ኣልኣዛርን ኢታምርን፥ ካህናት ኮይኖም ከገልግሉኒ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ፈሊኻ ናባኻ ኣቕርቦም።
ኣሮን ድማ ንኤልሳቤጥ ጓል ኣሚናዳብ፥ ሓፍቲ ነአሶን፥ ሰበይቱ ኽትኮኖ ወሰዳ። ንሳ ኸዓ ንናዳብ፥ ንኣብዩድ፥ ንኣልኣዛር፥ ንኢታምር ወለደትሉ።
ኣሮን ንናዳብን ኣብዩድን ኣልኣዛርን ኢታምርን ወለደ።
ደቂ ኣሮን፥ እቲ በዅሪ ናዳብ፥ ኣብዩድ፥ ኣልኣዛርን፥ ኢታምርን እዮም።
ናዳብን ኣብዩድን ግና እቶም ኣብ ምድረ በዳ ሲና እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞ ሓዊ ብምቕራቦም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞቱ። ውሉድውን ኣይነበርዎምን። ኣልኣዛርን ኢታምርን ግና ኣብ ቅድሚ ኣቦኣቶም ብኽህነት የገልግሉ ነበሩ።