3 ዕድመኣቶም ልዕሊ ሰላሳ ዓመት ዝኾኑ ሌዋውያን ከዓ ተቘፀሩ፤ ብዝሖም ድማ ሰላሳን ሸሞንተን ሽሕ ሰብኡት ነበረ።
ዳዊት ድማ ንዅሎም ኣሕሉቕ እስራኤልን ንኻህናትን ንሌዋውያንን ኣከቦም።
እዚኣቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታት ነበሩ። ዕድሜኣቶም ልዕሊ ዕስራ ዓመት ዝኾኑ ኣብ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ይሰርሑ ነበሩ። ኵሎም በብስሞም ኣብ መዝገብ ዝተፅሓፉ ደቂ ሌዊ ነበሩ።
ነቶም ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ዝተፅሓፉ ኣወዳት ካብ ወዲ ሰለስተ ዓመት ንላዕሊ ዝነበሩ፥ ከከም ክፍሎምን ከከም ኣገልግሎቶምን ነቲ ነናይ መዓልቲ ዘድሊ ነገር ክገብሩ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣትዉ ዅሎም ይዕድልዎም ነበሩ።
“ሕጊ ሌዋውያን እዙይ እዩ፦ ሌዋውያን፥ ዕድመኣቶም ካብ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ንላዕሊ ናብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ይእተዉ።