Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ይ ዜና 21:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ኢዮኣብ ድማ “እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኻብቲ ዘለዎ ሚእቲ ጊዜ የብዝሓዮ! ግና፥ ኦ ጐይታይ ንጉስ! ኵሎም ሓሻኽርኻ እዮም። ስለ ምንታይ ደኣ ነዝ ነገር እዙይ ትደልዮ ኣለኻ? ስለ ምንታይከ ንህዝቢ እስራኤል ምኽንያት በደል ትኾኖም?” በሎ።

Ver Capítulo Copiar




1 ይ ዜና 21:3
15 Referencias Cruzadas  

ኣቢሜሌክ ድማ ንኣብርሃም ፀዊዑ “እዝ ዝገበርካና እንታይ እዩ? ኣባይን ኣብ መንግስተይን ዓብዪ ሓጢኣት ኣምፂእኻልና ኔርካ። እንታይ በዲለካ ነይረ እየ? ዘይግበር ግብሪ ኢኻ ዝገበርካኒ” በሎ።


ብሰንኪ እቲ ኢዮርብዓም ዝገበሮ ሓጢኣትን፥ ንእስራኤል ከዓ ዘሕጥኦምን፥ ንእስራኤል ክድርብዮም እዩ” በላ።


ሽዑ ንጉስ ኢዮኣስ ብዛዕባኡን ዮዳሄን ነቶም ካልኦት ካህናትን ፀዊዑ “ስለ ምንታይ ኢኹም ነዛ ቤተ መቕደስ ዘይፀገንኩምዋ? ሕዚ ኸዓ እቲ ንመፀገኒ ቤተ መቕደስ ዝተቐበልኩምዎ ገንዘብ ኣምፅእዎ እምበር ኣባኻትኩም ኣይቀመጥ” በሎም።


ፅናዕ ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ኢልና ንዋጋእ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣዮ ይግበር” በሎ።


ንጉስ ግና ንኢዮኣብ በርትዖ። ስለዙይ ኢዮኣብ ወፀ፤ ናብ ኵሉ እስራኤል ከይዱ ኸዓ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።


እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም፥ ኣብ ልዕሌኹምን ኣብ ልዕሊ ደቅኹምን ይወስኽ።


“ንደቂ እስራኤል ክትቈፅሮም እንተለኻ መቕሰፍቲ ኸይወርዶም፥ ነፍሲ ወከፍ ክቝፀር እንተሎ ቤዛ ነፍሱ ንእግዚኣብሄር ይሃብ።


ሙሴ ንኣሮን “እዝ ዓብዪ ሓጢኣት ዘምፃእኻሉስ፥ እዝ ህዝቢ እዙይ እንታይ ገበረካ?” በሎ።


ክብሪ ንጉስ ኣብ ብዝሒ ህዝቢ እዩ፤ ምውሓድ ህዝቢ ግና ጥፍኣት ገዛኢ እዩ።


ንህዝብኻ ኣብዛሕኻ፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ንህዝብኻ ኣብዛሕኻ፤ ንስኻውን ከበርካ፤ ንዅሉ ወሰን እታ ምድሪ ድማ ኣስፋሕኻ።


ዘርእኻ ኸም ሑፃ፥ ፍረ ኸርስኻውን፥ ከም በነንታ ምድሪ ምኾነ ነይሩ፤ ስሙውን ፈፂሙ ኣይምጠፍአን፥ ካብ ቅድመይውን ኣይምተደምሰሰን።


ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዘተስፈወኩም፥ ሽሕ ጊዜ የብዝሕኹምን ይባርኽኩምን።


ናብ ደቂ ሮቤልን ናብ ደቂ ጋድን ናብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን፥ ናብታ ምድሪ ገለዓድ መፂኦም ድማ ኸምዙይ በልዎም፦


ኣይፋልኩምን ደቀይ፥ እቲ ብዛዕባ ንህዝቢ እግዚኣብሄር እትገብርዎ ዘለኹም እሞ ኣነ ኸዓ ዝሰምዖ ዘለኹ ወረ ፅቡቕ ኣይኮነን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos