6 ደቂ ዛራ፦ ዘምሪ፥ ኤታን፥ ሄማን፥ ከልኮል፥ ዳራ፥ ኵሎም ሓሙሽተ እዮም።
ጥበብ ሰሎሞን ከዓ ኻብ ናይ ኵሉ ሰብ፥ ካብ ናይ ኤታን ኢይዝራኤላዊን፥ ካብ ናይ ሄማንን ካልኮልን ዳርዳን፥ ደቂ ማሖልን ይበልፅ ነበረ። ዝናኡ ኸዓ ናብቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ወፀ።
ሰሎሞን ከዓ ንኪራም ዕስራ ሽሕ ኲንታል ስርናይን ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሊትሮ ፅሩይ ዘይትን ንቤተ መንግስቱ ቐለብ ክኸውን ዓመት ዓመት ይህቦ ነበረ።
ደቂ ፋሬስ፦ ኤስሮም፥ ሓሙል፥
ከርሚ ንኣካን ወለደ፤ ኣካን እቲ ኻብቲ ዝተሓረመ ብምውሳድ ንደቂ እስራኤል ጥፍኣት ዘምፅአሎም እዩ።
ኦ ጐይታ፥ ኣምላኽ ምድሓነይ፥ ኣብ ቅድሜኻ ለይትን መዓልትን አእዊ ኣለኹ፤
ደቂ እስራኤል ግና በቲ ዝተሓረመ ነገር በደሉ። ኣካን፥ ወዲ ከርሚ፥ ወዲ ዘንበሪ፥ ወዲ ዛራ፥ ካብ ነገድ ይሁዳ፥ ካብቲ ዝተሓረመ ነገር ወሰደ እሞ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል ነደደ።