4 ይሁዳ ድማ ኻብ ትእማር ሰበይቲ ወዱ፥ ንፋሬስን ዛራን ወለደ፤ ደቂ ይሁዳ ዅሎም ሓሙሽተ እዮም።
ሽዑ ይሁዳ፥ ንሴሎም ወዱ ኸም ኣሕዋቱ ኸይመውት ኢሉ ንትእማር ሰበይቲ ወዱ፥ “ወደይ ሴሎም ክሳዕ ዝዓቢ ኺዲ፥ ኣብ እንዳ ኣቦኺ መበለት ኴንኪ ተቐመጢ” በላ። ትእማር ድማ ኸይዳ ኣብ እንዳ ኣቦኣ ተቐመጠት።
ደቂ ፋሬስ፦ ኤስሮም፥ ሓሙል፥
ደቂ ይሁዳ፦ ፋሬስ፥ ኤስሮም፥ ካርሚ፥ ሆር፥ ሶባል እዮም።
ካብ ደቂ ፋሬስ ወዲ ይሁዳ፦ ዑታይ ወዲ ዓሚሁድ፥ ወዲ ዖምሪ፥ ወዲ ኣምሪ፥ ወዲ ባኒ እዮም።
ካብ ደቂ ዛራም ወዲ ይሁዳ፦ የዑኤልን እቶም ኣሕዋቶምን፥ ኵሎም ሽዱሽተ ሚእትን ተስዓን ነበሩ።
ፈታያ ወዲ ሜሴዜቤል፥ ካብ ደቂ ዝራ ወዲ ይሁዳ ድማ፥ ምእንቲ ጉዳይ ህዝቢ ኣብ ጥቓ ንጉስ ነበረ።
እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተቐመጡ ደቂ ይሁዳን ደቂ ብንያምን እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ደቂ ይሁዳ፦ ዓታያ ወዲ ዖዝያ፥ ወዲ ዘካርያስ፥ ወዲ ኣማርያ፥ ወዲ ሰፋጥያስ፥ ወዲ ማላልኤል፥ ካብ ደቂ ፋሬስ፤
ካብ ዓሌት ዛራ ዛራውያን፥ ካብ ዓሌት ሳኡል ሳኡላውያን።
ይሁዳ ኸዓ፥ ካብ ትእማር ንፋሬስን ንዛራን ወለደ፥ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ፥ ኤስሮም ንኣራም ወለደ፥
ወዲ ኣሚናዳብ፥ ወዲ ኣራም፥ ወዲ ኣሮኒ፥ ወዲ ኤስሮም፥ ወዲ ፋሬስ፥ ወዲ ይሁዳ፥
ነቶም ካብዛ ሰበይቲ እዚኣ ዝውለዱ እግዚኣብሄር ይባርኸልካ። ስድራኻ ድማ ኸምቲ ኻብ ይሁዳን ካብ ትእማርን ዝተወልደ ስድራ ፋሬስ ይግበረልካ” በሉ።
ትውልዲ ፋሬስ እምበኣር እዙይ እዩ፦ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ፤