Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ይ ዜና 2:16 - መፅሓፍ ቅዱስ

16 ኣሓቶም ከዓ ፅሩያን ኣቢግያን ነበራ። ደቂ ፅሩያ ድማ ኣቢሳይን ኢዮኣብን ኣሳሄልን፥ ሰለስተ ነበሩ።

Ver Capítulo Copiar




1 ይ ዜና 2:16
11 Referencias Cruzadas  

ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ድማ ልቢ ንጉስ ዳዊት ናብ ኣቤሴሎም ከም ዝዘምበለ ፈለጠ።


ኣቤሴሎም ከዓ ኽንዲ ኢዮኣብ ንኣሜሳይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሸሞ። ኣሜሳይ ወዲ ዮቴር ዝስሙ እስራኤላዊ ሰብ እዩ። ንሱ ሰብኣይ ኣቤጊያ ጓል ናዖስ እዩ። ኣቤጊያ ሓፍቲ ፅሩያ እኖ ኢዮኣብ እያ።


ዳዊት ድማ “ኣቱም ደቂ ፅሩያ፥ ስለ ምንታይ ትፃረሩኒ? ምሳኻትኩምከ እንታይ ኣለኒ? ሎሚ ኣብ እስራኤል ኣነ እየ ንጉስ፤ ሎሚ ኸዓ ኣብ እስራኤል ሰብ ብሞት ኣይቕፃዕን እዩ?” በሎም።


ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያን ሹመኛታት ዳዊትን ከዓ ወፂኦም ኣብ ቃላይ ገባዖን ተራኸብዎም። እዚኣቶም ነቲ ቓላይ በቲ ሓደ ወገኑ፥ እቲኣቶም ድማ ነቲ ቓላይ በቲ ሓደ ወገኑ ተቐመጡ።


ኣነ ንጉስ ክኸውን እንተ ተቐባእኹ እኳ፥ ድኹም እየ፤ እዞም ደቂ ፅሩያ ድማ በርቲዖምኒ ኣለዉ። ነቲ ኽፉእ ዝገብርስ፥ እግዚኣብሄር ደኣ ኸምቲ ኽፍኣቱ ይፍደዮ” በሎም።


ኣቢሳ ሓው ኢዮኣብ ከዓ ሓለቓ እቶም ሰላሳ ነበረ። ንሱ ድማ ዂናቱ ኣልዒሉ ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ቀተለ። ኣብ መንጎ እቶም ሰላሳ ድማ ስሙይ ነበረ።


ሻድሻይ ኣሳም፥ ሻውዓይ ዳዊት ነበሩ።


ኣቢግያ ኸዓ ንኣሜሳይ ወለደት፤ ኣቦ ኣሜሳይ ድማ ዬቴር ዝተብሃለ እስማኤላዊ ነበረ።


ሽዑ ዳዊት ንኣቢሜሌክ ሂታውን ንኣቢሳይ ወዲ ፅሩያ ሓው ኢዮኣብን “ናብ ሳኦል ናብቲ ሰፈር፥ መን ምሳይ ይወርድ?” በሎም። ኣቢሳይ ከዓ “ኣነ ምሳኻ እወርድ” በለ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios