10 ኣራም ድማ ንኣሚናዳብ ወለደ፤ ኣሚናዳብ ከዓ ንነኣሶን ሓላቓ ደቂ ይሁዳ ወለደ።
ነኣሶን ድማ ንሰልሞን ወለደ፤ ሰልሞን ከዓ ንቦዔዝ ወለደ።
እቶም ንሔፅሮን ዝተወለዱሉ ደቂ ኸዓ ይረሕምኤልን ኣራምን ካልብን እዮም።
ኣሮን ድማ ንኤልሳቤጥ ጓል ኣሚናዳብ፥ ሓፍቲ ነአሶን፥ ሰበይቱ ኽትኮኖ ወሰዳ። ንሳ ኸዓ ንናዳብ፥ ንኣብዩድ፥ ንኣልኣዛር፥ ንኢታምር ወለደትሉ።
ካብ ይሁዳ፥ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ፥
እቶም ኣብ ሰፈር ደቂ ይሁዳ ዝነበሩ ሰራዊት በብኽፍሎም ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም ንቕድሚት ተጕዓዙ፤ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ ድማ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ።
ሰራዊት ይሁዳ ብወገን ምብራቕ ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማኦም ይስፈሩ። ሹም ደቂ ይሁዳ ድማ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ እዩ።
እቲ ብቐዳመይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ ካብ ነገድ ይሁዳ ነበረ።
ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡቦታት ኣባጊዕን፥ ኣቕረበ። መባእ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ እዙይ እዩ።
ኣራም ንኣሚናዳብ ወለደ፥ ኣሚናዳብ ንነኣሶን ወለደ፥ ነኣሶን ንሰልሞን ወለደ፥