3 እቶም መሳፍንቲ ደቂ ኣሞን ግና ንሓኖን “ዳዊት ነቦኻ ኣኽቢሩዶ ዘፀናንዑ ዝሰደደልካ ይመስለካ ኣሎ? እዚኣቶም ነዛ ሃገር ምእንቲ ኽምርምርዋን ክስልይዋን ክሕዝዋን እዮም መፂኦም ዘለዉ” በልዎ።
እቶም መሳፍንቲ ደቂ ኣሞን ንጐይታኦም ሓኖን “ዳዊት ነቦኻ ኣኽቢሩ ዘፀናንዑ ዝሰደደልካዶ ይመስለካ ኣሎ? ዳዊትስ ነዛ ኸተማ ኽዕዘባን ክስልያን ከጥፍኣንዶ ኣይኮነን ሓሻኽሩ ሰዲዱልካ ዘሎ?” በልዎ።
ዳዊት ድማ “ኣቦኡ ንኣይ ፅቡቕ ገይሩለይ ነይሩ እዩ እሞ፥ ኣነ ድማ ንሓኖን ወዲ ናዖስ ፅቡቕ ክገብረሉ እየ” በለ። ዳዊት ከዓ ብዛዕባ ሞት ኣቦኡ ኸፀናንዖ ልኡኻት ሰደደሉ። እቶም ሓሻኽር ዳዊት ድማ ንሓኖን ከፀናንዕዎ ናብ ሃገር ደቂ ኣሞን ከዱ።
ሽዑ ሓኖን ነቶም ንልኡኻት ዳዊት ወሲዱ ላፀዮም፤ ንኽዳውንቶም ከዓ ኽሳዕ ጥቓ ማዕጥቖኦም ቈሪፁ ሰደዶም።
ሽዑ እቶም ደቂ ዳን፥ ነታ ምድሪ ኽስልሉን ክምርምሩን፥ ካብ ዓሌቶም፥ ሓሙሽተ ሓያላት ሰባት፥ ካብ ፆርዓን ካብ ኤሽታዖልን፥ “ኬድኩም ነታ ምድሪ ሰልዩዋ” ኢሎም ሰደድዎም። ንሳቶም ከዓ ናብ ኰረብታታት ኤፍሬም፥ ናብ ቤት ሚካ መፁ፤ ኣብኣውን ሓደሩ።
እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ግና ዀረዩሉ፤ ከምዙይ እውን በልዎ፦ “ነዝ ሰብኣይ እዙይ ናብታ ኽቕመጣ ዝፈቐድካሉ ቦታኡ ምለሶ። ኣብ ውግእ ተፃራሪ ምእንቲ ኸይኾነናስ ናብ ውግእ ኣይውረድ። ንሱ ምስ ጐይታኡ ምእንቲ ኽዕረቕ፥ ርእሲ ሓሻኽርና ብምቝራፅ እንተ ዘይኮይኑ ንጐይታኡ ብምንታይ ከሐጕሶ ይኽእል?
ኣንኩስ ድማ ንዳዊት “እዞም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ‘ምሳና ኾይኑ ኣይዋጋእ’ ስለ ዝበሉ ደኣ እምበር ንስኻ ኣብ ቅድመይ ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣበር ዘይብልካ ኸም ዝኾንካ እፈልጥ እየ።