2 ዳዊት ድማ “ኣቦኡ ንኣይ ፅቡቕ ገይሩለይ ነይሩ እዩ እሞ፥ ኣነ ድማ ንሓኖን ወዲ ናዖስ ፅቡቕ ክገብረሉ እየ” በለ። ዳዊት ከዓ ብዛዕባ ሞት ኣቦኡ ኸፀናንዖ ልኡኻት ሰደደሉ። እቶም ሓሻኽር ዳዊት ድማ ንሓኖን ከፀናንዕዎ ናብ ሃገር ደቂ ኣሞን ከዱ።
ዳዊት ድማ “ምእንቲ ዮናታን ኢለ ሰናይ ዝገብረሉ፥ ካብ ቤት ሳኦል ሓደ ዝተረፈ ሰብ ደኾን ይህሉ?” በለ።
ዳዊት ድማ “ምእንቲ ኣቦኻ ዮናታን ኢለ ሰናይ ክገብረልካ እየ እሞ ኣይትፍራሕ፤ ገራሁ ኣቦኻ ሳኦልውን ክመልሰልካ እየ፤ ንስኻ ኸዓ ንሓዋሩ ኣብ ማእደይ ክትበልዕ ኢኻ” በሎ።
ኤልሳዕ ከዓ ንሓሽከሩ “እንሆ፥ ስለ እቲ ዅሉ ዘርአኽና ሓልዮት እንታይ ክገብረልኪ? ኣብ ንጉስ ወይ ኣብ ሓለቓ ሰራዊትዶ ዝጥየቕ ኣለኪ ክነግረልኪ? በላ” በሎ። ንሳ ኸዓ “ኣብ ማእኸል ህዝበይ እየ ተቐሚጠ ዘለኹ” በለት።
ድሕሪዙይ፥ ንጉስ ደቂ ኣሞን ናዖስ ሞተ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ሓኖን ነገሰ።
እቶም መሳፍንቲ ደቂ ኣሞን ግና ንሓኖን “ዳዊት ነቦኻ ኣኽቢሩዶ ዘፀናንዑ ዝሰደደልካ ይመስለካ ኣሎ? እዚኣቶም ነዛ ሃገር ምእንቲ ኽምርምርዋን ክስልይዋን ክሕዝዋን እዮም መፂኦም ዘለዉ” በልዎ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ንመፅሓፍ ሙሴ፥ ኣብ እዝኒ እቲ ህዝቢ ኣንበቡ። ኣብኡ ኸዓ ኣሞናውያንን፥ ሞኣባውያንን፥ ንዘለኣለም ናብ ህዝቢ እግዚኣብሄር ኣይእተዉ ዝብል ተፅሒፉ ነበረ።
ጦቢያ እቲ ኣሞናዊ ድማ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ፦ “ኣብ ልዕሊ እቲ ብእምኒ ዝሰርሕዎ ቕፅሪ፥ ወኻርያ እንተ ደየበቶ እኳ ዝፈርስ እዩ” በለ።
ሰንባላጥን ጦብያን ሰብ ዓረብን ኣሞናውያንን ኣሽዶዳውያንን ምዕራይ ቅፅሪ ኢየሩሳሌም ከም ዝሰለጠን፥ እቲ ፍርስራስውን ክዕበስ ከም ዝጀመረን ምስ ሰምዑ፥ የመና ተቘጥዑ።
ሽዑ እቲ ንጉስ “ብዛዕባ እዙይከ ንመርዶክዮስ ከመይ ዝበለ ኽብረትን ዕቤትን ተገብረሉ?” ኢሉ ጠየቐ። እቶም ዘገልግልዎ ዝነበሩ ሓሻኽር ንጉስ ድማ “ዝኾነ ነገር እኳ ኣይተገበረሉን” ኢሎም መለሱ።
ኣብኣ ኸዓ ጥበበኛ ዝኾነ ድኻ ሰብኣይ ተረኽበ፤ ንሱውን ነታ ኸተማ ብጥበቡ ኣድሓና፤ ግና ነዝ ድኻ ሰብኣይ እዙይ ሓደ ሰብ እኳ ኣይዘከሮን።
ካብ ኣይሁድ ድማ፥ ብዙሓት ብዛዕባ ሓወን ከፀናንዕወን፥ ናብ ማርያምን ማርታን መፂኦም ነበሩ።
ዳዊት ናብ ፂቅላግ ምስ መፀ ኸዓ፥ ነቶም ፈተውቱ ዓበይቲ ይሁዳ “ካብ ምርኮ እቶም ፀላእቲ እግዚኣብሄር እንሆ ገፀ በረኸት” ኢሉ ኻብቲ ምርኮ ሰደደሎም።