3 ንነፍሲ ወከፍ ሰብ እስራኤል ድማ ንሰብኡትን ነንስትን፥ ሓድሓደ ቕጫን ሓድሓደ ጉማድ ስጋን ሓድሓደ ጎጎ ዘቢብን ዓደሎም።
ሰሎሞን ድማ ተበራበረ፤ እንሆ፥ ሕልሚ ኸም ዝኾነ ፈለጠ። ናብ ኢየሩሳሌም መፂኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ቆመ፤ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዓ ኣዕረገ፤ መስዋእቲ ምስጋናውን ኣቕረበ። ንዅሎም ሹመኛታቱ ድማ ምሳሕ ገበረሎም።
ዳዊት ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕሪጉ ምስ ወድአ፤ ነቲ ህዝቢ ብስም እግዚኣብሄር ባረኾ።
ዳዊት ንሓድሓደ ኻብቶም ሌዋውያን ድማ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኮይኖም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብውዳሴን ብምስጋናን ከገልግሉ ሰርዐ።
ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ነቶም ህዝቢ ሓሪዶም ዝበልዕዎም ሽሕ ዝራብዓትን ሸውዓተ ሽሕ ኣባጊዕን ሃቦም። እቶም ሹመኛታት ድማ ነቲ ህዝቢ ሽሕ ኣብዑርን ዓሰርተ ሽሕ ኣባጊዕን ሃብዎ። ብዙሓት ካህናት ከዓ ኸምቲ ስርዓት፥ ርእሶም ኣንፅሁ።
ነህምያ ኸዓ “ኪዱሞ ዝሰብሐ ብልዑ፤ ጥዑምውን ስተዩ፤ ነቶም ዝተዳለወ ዘይብሎም ድማ ኻብ ዘለኩም ከፊልኩም ስደዱሎም። እዛ መዓልቲ እዚኣ ንጐይታና ዝተቐደሰት እያ። ናይ እግዚኣብሄር ሓጐስ ሓይልኹም እዩ እሞ፥ ኣይትሕዘኑ” በሎም።
ብፍቕሩ ተነዲፈ ሓሚመ እየሞ፥ ብጎጎ ዘቢብ ኣፅንዑኒ፤ ብምልዖ ኣበርትዑኒ።
ስለዙይ ሞኣብ ንሞኣብ ዋይ ዋይ ክትብለላ እያ፤ ኵላቶም ዋይ ዋይ ክብሉ እዮም። ብዛዕባ ናይ ቂር ሓሬሴት ጎጎ ዘቢብ እናስቈርቈርኩም ክትበኽዩ ኢኹም።
ሓላፍነት እቲ ሓለቓ፥ ብበዓላትን ብሰርቂ ወርሕን ብሰናብትን፥ ብዅሉ በዓላት ዓመት ቤት እስራኤልን፥ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ብልዕን፥ መስዋእቲ መስተን ክውፊ እዩ። ንሱ ንቤት እስራኤል መቤዘዊ ምእንቲ ኽገብረሎም፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን፥ መስዋእቲ ብልዕን፥ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ምስጋናን ከቕርብ እዩ።”
እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “መሊስካ ኺድ እሞ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ነቶም ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ዝምለሱን፥ ቅጫ ዘቢብ ዝፈትዉን ደቂ እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ከም ዘፍቅሮም፥ ንስኻውን ንሓንቲ ብኻልእ ሰብኣይ ዝተፈትወት ሰበይቲ ፍቶ” በለኒ።
ብዘይ ምንፅርፃር፥ ተቐበልቲ ጋሻ ኹኑ።