4 እዝ ነገር እዙይ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ቕኑዕ መሲሉ ስለ ዝተርኣዮም፥ “ሕራይ፥ ከምኡ ንግበር” በሉ።
ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ እዙይ ምስ ፈለጡ ተሓጐሱ፤ በቲ ዅሉ እቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ንጉስ ዝገበሮውን ሕጉሳት ነበሩ።
ነቲ ብዘመን ሳኦል ረሲዕናዮ ዝነበርና ታቦት ኣምላኽና ኸዓ ናባና ነምፅኣዮ።”
ዳዊት ነቲ ታቦት ኣምላኽ ካብ ቂርያት የዓሪም ምእንቲ ኸምፅኦ ኸዓ፥ ካብ ሩባ ሲሖር ናይ ግብፂ ጀሚሩ፥ ክሳዕ መእተዊ ሓማት ንዝነበሩ ዅሎም ደቂ እስራኤል ኣከቦም።
እዝ ነገር እዙይ ንንጉስን ንዅሉ እቲ ህዝብን ቅኑዕ ኮይኑ ተርኣዮም።
ከምዙይ ድማ በለት፦ “ንጉስ እንተ ደኣ ፈቲኻስ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ሞገስ እንተ ረኺበ፥ እዝ ነገር እዙይ ከዓ ፅቡቕ ኮይኑ እንተ ተርእዩካ፥ ኣነ ኸዓ ብኣኻ ፍትውቲ እንተ ኾይነ፥ ሃማ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፥ ነቶም ኣብ ኵሉ ግዝኣት ንጉስ ዘለዉ ኣይሁድ ከጥፍእ ሓሲቡ ዝፀሓፈን መልእኽትታት ክልወጣ ኣውጅ።
ሜልኮል ጓል ሳኦል፥ ንዳዊት ፈተወቶ፤ እዙይ ድማ ንሳኦል ነገርዎ፤ እቲ ነገር ከዓ ንሳኦል ደስ ኣበሎ።