Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ይ ዜና 13:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ነቲ ብዘመን ሳኦል ረሲዕናዮ ዝነበርና ታቦት ኣምላኽና ኸዓ ናባና ነምፅኣዮ።”

Ver Capítulo Copiar




1 ይ ዜና 13:3
11 Referencias Cruzadas  

ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “እዙይ ንኣኻትኩም ፅቡቕ መሲሉ እንተ ተርእዩኩም፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽናውን ወፂኡ እንተ ኾይኑ፥ ናብቶም ዝተረፉ ኣሕዋትና ናብ ኵለን ሃገራት እስራኤልን፥ ናብተን ካህናትን ሌዋውያንን ዝነብሩለን ከተማታት መምስ ከባቢአንን፥ ልኡኻት ንስደደሎም፤ ንሳቶም ከዓ ናባና ይተኣከቡ።


እዝ ነገር እዙይ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ቕኑዕ መሲሉ ስለ ዝተርኣዮም፥ “ሕራይ፥ ከምኡ ንግበር” በሉ።


እንሆ፥ ኣብ ኤፍራታ ሰማዕናዮ፤ ኣብ ውሽጢ በረኻ ኸዓ ረኸብናዮ።


በታ መዓልቲ እቲኣ ኣኪያ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኤፉድ ተኸዲኑ ነበረሞ፥ ሳኦል ንኣኪያ “ነቲ ኤፉድ ታቦት እግዚኣብሄር ናብዙይ ኣምፅኣዮ” በሎ።


ሳኦል መሊሱ “ብለይቲ ደድሕሪ ፍልስጥኤማውያን ንውረድ፤ ክሳዕ ዝወግሕ ከዓ ንዝመቶም፤ ሓደ ሰብውን ኣይነትርፈሎም” በለ። ንሳቶም ድማ “ኵሉ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣየካ ግበር” በልዎ። እቲ ኻህን ግና “ናብ እግዚኣብሄር ንቕረብ” በሎም።


ንሱ ድማ ንእግዚኣብሄር ጠየቐሉ፤ ምግቢውን ሂብዎ፤ ሰይፊ እቲ ፍልስጥኤማዊ ጎልያድ ከዓ ሂብዎ” ኢሉ ንሳኦል ነገሮ።


ብርግፅ ንኣምላኽ ጠይቐሉ ነይረ፤ እዙይ ከዓ ሽዑ ናይ መጀመርታይ ኣይነበረን። ኣነ ሓሽከርካ፥ እዝ ዅሉ ነገር እዙይ፥ ንእሽተይ ኮነ ዓብዪ፥ ዝፈልጦ ነገር የብለይን እሞ፥ ንጉስ ንኣይን ንዅላ ቤት ኣቦይን ከም በደልቲ ኣይትቝፀረና” ኢሉ መለሰሉ።


ሽዑ ዳዊት “ነዞም ፍልስጥኤማውያንዶ ኽዋግኦም ክኸይድ?” ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዳዊት “ኪድ፥ ንፍልስጥኤማውያን ተዋጊእኻ ንቅዒላ ኣድሕና” በሎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos