2 ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “እዙይ ንኣኻትኩም ፅቡቕ መሲሉ እንተ ተርእዩኩም፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽናውን ወፂኡ እንተ ኾይኑ፥ ናብቶም ዝተረፉ ኣሕዋትና ናብ ኵለን ሃገራት እስራኤልን፥ ናብተን ካህናትን ሌዋውያንን ዝነብሩለን ከተማታት መምስ ከባቢአንን፥ ልኡኻት ንስደደሎም፤ ንሳቶም ከዓ ናባና ይተኣከቡ።
ንሳቶም ከዓ “ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ሎሚ ሓሽከር እንተ ዄንካዮም፥ እንተ ኣገልጊልካዮም፥ ምላሽ ድማ እንተ ሂብካዮም፥ ፅቡቕ ቃልውን እንተ ተዛሪብካዮም፥ ንሳቶም ንሓዋሩ ኣገልገልቲ ክኾኑኻ እዮም” ኢሎም መለሱሉ።
ንጉስ ኢዮራም ግና እቲ ምስ ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ኽዋጋእ እንተሎ ሶርያውያን ዝወግእዎ ቝስሊ ኽሕከም ናብ ኢይዝራኤል ተመሊሱ ነበረ። ኢዩ ኸዓ “ልብኹም ምሳይ እንተ ደኣ ኾይኑስ ከይዱ ናብ ኢይዝራኤል ምእንቲ ኸይነግር፥ ካብዛ ኸተማ ሓደ እኳ ኣይውፃእ” በሎም።
እቶም ኣብ ለሰ ዝነበሩ ዅሎም ሰብ እስራኤል፥ ሰራዊቶም ከም ዝሃደሙ፥ ሳኦልን ደቁን ድማ ኸም ዝሞቱ ምስ ረአዩ፥ ከተማታቶም ሓዲጎም ሃደሙ፤ ፍልስጥኤማውያን ከዓ መፂኦም ተቐመጥወን።
ዳዊት፥ ምስ ኵሎም ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ዝኾኑ ኣሕሉቕ ሰራዊት ተማኸረ።
ነቲ ብዘመን ሳኦል ረሲዕናዮ ዝነበርና ታቦት ኣምላኽና ኸዓ ናባና ነምፅኣዮ።”
እዝ ነገርዙይ እንተ ገበርካ፥ እዙይ ድማ ፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ኾነ፥ ኣይትደክምን ኢኻ። ኵሉ እዝ ህዝቢ እዙይ ድማ ተሓጒሱ ናብ ገዛኡ ኽምለስ እዩ” በሎ።
ምኽሪ እንትጐድል፥ እቲ ዝተሓሰበ እንተይተሳኽዐ ይተርፍ፤ ብዙሓት መኸርቲ ኣብ ዘለውዎ ግና ይሳለጥ።
ንጉስ ኣሶር ንራፋስቂስ፥ ነቲ ንህያው ኣምላኽ ክፃረፍ ዝለኣኾ፥ ናይ ራፋስቂስ ፀርፊ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰሚዑ፥ ነቲ ዝተፃረፈ ይቐፅዖ ይኸውን። ንስኻ ኸዓ ምእንቲ እቲ ተሪፉ ዘሎ ተረፍ ፀሎት ግበር።”
ፍልስጥኤማውያን ድማ ንእስራኤል ተዋግእዎም። ሰብ እስራኤል ከዓ ኻብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ፤ ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ኣብ እምባ ጊልቦዓ ወደቑ።