2 ንሳቶም ብየማኖም ኮነ ብፀጋሞም ምውንጫፍ ኣእማን ዝኽእሉ ብቐስቲውን ፍላፃ ዝውርውሩ ተዋጋእቲ ነበሩ። ንሳቶም ኣዝማድ ሳኦል ካብ ነገድ ብንያም ነበሩ። ስሞም ከዓ እዙይ እዩ፦
ካብ ደቂ ብንያም ኣሕዋት ሳኦል ድማ ሰለስተ ሽሕ። ክሳዕ እዝ እዋን እዙይ ዝበዝሑ ኻብኣቶም ገና ምስ ቤት ሳኦል ፀኒዖም ነበሩ።
ኣሒዔዝር እቲ ሓለቓኦምን ኢዮኣስን ደቂ ሸማዓ ጊብዓዊ፥ ይዝኤልን ፋሌጥን ደቂ ኣዝሞዌት፥ በራክያ ኢዩ ዓናቶታውን፥
ደቂ ኡላም ምግታር ቀስቲ ዝኽእሉ፥ ተባዓት ተዋጋእቲ ነበሩ። ንኣኣቶምውን ብዙሓት ደቅን ደቅ ደቅን ነበርዎም። ኵሎም ሚእትን ሓምሳን ነበሩ። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ብንያም ነበሩ።
እቶም ቀስትን ፍላፃን ዝተዓጥቁ ደቂ ኤፍሬም፥ ብመዓልቲ ውግእ ንድሕሪት ተመለሱ።
ካብ ኵሉ እዝ ህዝቢ እዙይ ብፀጋማይ ኢዶም ወንጪፎም ንሓንቲ ፀጕሪኳ ዘይስሕቱ ሸውዓተ ሚእቲ ምሩፃት ሰባት ነበሩ።
ደቂ እስራኤል ግና ናብ እግዚኣብሄር ደጊሞም ተማህለሉ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንናዖድ ወዲ ጌራ፥ ካብ ነገድ ብንያም ዝኾነ ኣባግራይ ሰብኣይ፥ መድሓኒ ኣተስአሎም። ደቂ እስራኤል ከዓ ብእኡ ገይሮም ናብ ዔግሎም ንጉስ ሞኣብ ግብሪ ሰደዱ።
ዳዊት ድማ ኢዱ ናብቲ ሳንጣ ኣእትዩ፥ ካብኣ እምኒ ወሲዱ ወንጨፈ፤ ንጐልያድ ድማ ግምባሩ ኣንሃሎ፤ እታ እምኒ ኸዓ ናብ ግምባሩ ኣተወት፤ ንሱ ድማ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፍአ።