1 ዳዊት ገና ኻብ ገፅ ሳኦል ወዲ ቂስ ተሓቢኡ ኣብ ፂቅላግ ክነብር እንተሎ፥ እቶም ኣብ ውግእ ዝሓገዝዎ ጀጋኑ ናብኡ መፁ።
ድሕሪ ሞት ሳኦል ዳዊት ንኣማሌቃውያን ስዒሩ ተመለሰ። ኣብ ፂቅላግ ከዓ ኽልተ መዓልቲ ገበረ።
ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰቡ፥ ንነፍሲ ወከፍ መምስ ስድራ ቤቱ ኣደየቦም፤ ኣብ ኬብሮንን ከተማታታን ከዓ ተቐመጡ።
ነቲ ፅቡቕ ወረ ዘምፅአለይ መሲልዎ ‘እንሆ ሳኦል ሞይቱ’ ኢሉ ዝነገረኒ፥ ሒዘ ኣብ ፂቅላግ ቀተልክዎ። ናይቲ ብስራት ዘምፅአለይ ዝመሰሎ ኸዓ ኸምዙይ ገይረ ኸፈልክዎ።
እቶም ምስ ኵሉ እስራኤል ኮይኖም፥ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤል ዝበሎ፥ ንዳዊት ዘንገስዎን፥ መንግስቱ ኽድልድል ከዓ ዝሓገዝዎን ኣሕሉቕ ሓያላት እዚኣቶም እዮም።
“ህይወቶም ወፍዮም ኣምፂኦምዎ እዮም እሞ፥ ደም እዞም ህይወቶም ዝወፈዩ ሰባት እዚኣቶምዶ ኽሰቲ እየ? ነዙይ ኣይገብሮን እየ፤ ኣምላኸይ ካባይ የርሕቆ” በለ። ስለዙይ ክሰትዮ ኣይፈተወን። እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ዝገበርዎ እዙይ እዩ።
ኤሊኤልን ዖቤድን ያዕሲኤል ምፆባዊን።
ኔር ንቂስ ወለደ፤ ቂስ ንሳኦል ወለደ፤ ሳኦል ድማ ንዮናታንን ንሜልኪሳን ንኣሚናዳብን ንኣስባዓልን ወለደ፤
ኔር ንቂስ ወለደ፤ ቂስ ንሳኦል ወለደ፤ ሳኦል ከዓ ንዮናታንን ንማልኪሳን ንኣሚናዳብን ንኣስባዓልን ወለደ።