2 ካብ ቀደምውን ሳኦል ነጊሱ እንተሎ፥ ንእስራኤል እተእቱን እተውፅእን ዝነበርካ ንስኻ ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸዓ ‘ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓሲ ኢኻ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤልውን መራሒ ኽትከውን ኢኻ’ ዝበለካ ንኣኻ እዩ።”
ካብ ቀደም፥ ሳኦል ኣብ ልዕሌና ነጊሱ እንተሎውን፥ ንእስራኤል ናብ ውግእ እትመርሕ ንስኻ ኢኻ ኔርኻ። እግዚኣብሄርውን ንኣኻ እዩ ‘ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓሲ ኢኻ፤ ንስኻ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መራሒ ኽትከውን ኢኻ’ ኢሉካ ነይሩ እዩ” በልዎ።
ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኣብ ዝተጕዓዝኩሉ፥ ንህዝበይ እስራኤል ክጓስዩ ኻብ ዝኣዘዝክዎም መራሕቲ እስራኤል ንሓደኳ ስለ ምንታይ ብኦም ፅሕዲ ቤት ዘይሰራሕኹምለይ ኢለዶ ተዛሪበ እየ?’
ኪዲ እሞ ንኢዮርብዓም ከምዙይ በሊዮ፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ካብ ማእኸል ህዝቢ ሓርየ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ገዛኢ ገበርኩኻ፤
ነዝ ብዙሕ ህዝቢ እዙይ ደኣ መን ከመሓድሮ ይኽእል? እምበኣርከስ ኣብ መንጎ ፅቡቕን ክፉእን ፈልዩ ንህዝብኻ ብቕንዕና ምእንቲ ኽፈርድስ፥ ንባርያኻ ዘስተውዕል ልቢ ሃቦ” ኢሉ ለመነ።
ንህዝቡ ያእቆብን፥ ንርስቱ እስራኤልን ምእንቲ ኽሕሉ፥ ካብ ዘጥብዋ ኣባጊዕ ኣምፅኦ።
ንሱ ንመጓሰኡ ኸም ጓሳ የውፍረን፤ ንመሓሲኡ ኣኪቡ ኣብ ሕቝፉ ይስከመን፤ ነተን ዘጥብዋ ድማ ብህድኣት ይመርሐን።
እንሆ፥ ንኣህዛብ ምስክር፥ ንህዝቢ እውን ሓለቓን ገዛእን ገይረዮ ኣለኹ።
ከም ልበይ ዝኾኑ ሓለውቲ ኣባጊዕ ክህበኩም እየ፤ ብፍልጠትን ብምስትውዓልን ክሕልዉኹም እዮም።
“ኣቲ ኣብ ምድሪ ኤፍራታ ዘለኺ ቤተልሔም፥ ንስኺ ኻብተን ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ኣእላፋት ዝነኣስኪ ኢኺ። ትውልዱ ኻብ ጥንቲ፥ ካብ ዘለኣለም ዝኾነ፥ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ክኸውን ዘለዎ ኻባኺ ኽወፀለይ እዩ።”
ንሱ ብሓይሊ እግዚኣብሄርን፥ ብግርማ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኹን፥ ንመጓሰኡ ክጓስየን እዩ። ሽዑ ንሱ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ዓብዪ ክኸውን እዩ እሞ፥ ንሳቶምውን ክነብሩ እዮም።
ንኹለን ነተን ኣባጊዑ ምስ ኣውፅአን ድማ፥ ቀቅድሚአን ይኸይድ፤ እተን ኣባጊዑውን ድምፁ ስለ ዝፈልጣ ይስዕባኦ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል “ኣነ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከይነግስ ንዒቐዮ እንተለኹስ፥ ንስኻ ኽሳዕ መኣዝ ኢኻ ንሳኦል እትሓዝነሉ? ናብ እሴይ በዓል ቤተ ልሔም ክልእኸካ፥ ኣብ መንጎ ደቁ ንጉስ ዝኾነኒ ሪአ ኣለኹ እሞ ቐርንኻ ዘይቲ መሊእኻ ኺድ” በሎ።
ሽዑ ሳሙኤል ናይ ዘይቲ ቐርኒ ኣልዒሉ ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱ ቐብኦ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነዘው ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዳዊት ሓደረ። ሳሙኤል ከዓ ተሲኡ ናብ ኣርማቴም ከደ።
ስለዙይ ሳኦል ንዳዊት ካብኡ ኣርሒቑ ሓለቓ ሽሕ ገበሮ። ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ይኣቱን ይወፅእን ነበረ።