1 ሽዑ ዅሎም ህዝቢ እስራኤል ናብ ዳዊት ኣብ ኬብሮን ተኣኪቦም መፁ እሞ ኸምዙይ በልዎ፦ “እኒሀና ንሕና ዓፅምኻን ስጋኻን ኢና።
ላባ ኸዓ “ብሓቂ ንስኻ ዓፅመ ስጋይ ኢኻ” በሎ። ወርሒ ዝኣክልውን ምስኡ ተቐመጠ።
ኣቤሴሎም ግና ናብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል፥ ሰባት ብምስጢር ልኢኹ “ድምፂ መለኸት ምስ ሰማዕኹም ‘ኣቤሴሎም ኣብ ኬብሮን ነጊሱ’ በሉ” በሎም።
ድሕሪዙይ ዳዊት “ካብ ከተማታት ይሁዳ ናብ ሓዲአንዶ ኽድይብ?” ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ከዓ “ደይብ” በሎ። ዳዊት ድማ “ናበየነይቲ ኽድይብ?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ናብ ኬብሮን” በሎ።
ዳዊት ኣብ እስራኤል ኣርብዓ ዓመት ነገሰ፤ እዙይ ድማ፥ ኣብ ኬብሮን ሸውዓተ ዓመት፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።
ናብ ነጌብ ከዓ ደየቡ። ናብ ኬብሮንውን ኣተዉ፤ ኣብኣ ድማ ኣኪመን፥ ሴሲ፥ ተላሚ፥ ደቂ ዔናቅ ነበሩ፤ ኬብሮን ከዓ ሸውዓተ ዓመት ቅድሚ እታ ኣብ ግብፂ ዘላ ጣኔዎስ ዝተመስረተት ነበረት።
ንሕና ኸዓ፥ ኣካላት ሰብነት ክርስቶስ ኢና።
ሽዑ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓርዮ ኸም ዝነግስ ግበሩ። ካብ ህዝብኹም ደኣ ኣንግሱ እምበር ጓና ኣይተንግሱ።
“በይዛኻትኩም ንዅሎም ሰብ ሴኬም፥ ‘ኣየናይ ይሕሸኩም? ደቂ ጌዴዎን ብሰብዓኦም ክገዝኡኹምዶ ወይ ከዓ ሓደ ሰብኣይ ክገዝአኩም ይሕሸኩም?’ ኢልኩም ጠይቕዎም፤ ኣነ ኸዓ ናይ ስጋኹም ቍራፅ ናይ ዓፅምኹም ፍላፅ ከም ዝኾንኩ ዘክሩ” በሎም።