5 እቲ ኣፅዋሩ ዝሽከመሉ ኸዓ፥ ሳኦል ከም ዝሞተ ምስ ረአየ፥ ንሱውን ኣብ ልዕሊ ሰይፉ ወዲቑ ሞተ።
ሽዑ ሳኦል ነቲ ኣፅዋሩ ዝሽከመሉ፥ “እዞም ዘይግሩዛት መፂኦም ከየላግፁለይስ፥ ሰይፍኻ ምዘዝ እሞ ቕተለኒ” በሎ። እቲ ኣፅዋሩ ዝሽከመሉ ግና እምብዛ ስለ ዝፈርሐ፥ ኣይፈተወን። ሽዑ ሳኦል፥ ኣብ ልዕሊ ሰይፉ ወዲቑ ሞተ።
በዝ ኸምዙይ ሳኦልን ሰለስቲኦም ደቁን ሞቱ፤ ኵሎም ቤተሰቡውን ብሓንሳእ ሞቱ።
ሽዑ ነቲ ኣፅዋሩ ዝስከመሉ ጐበዝ ቀልጢፉ ፀዊዑ፥ “ሰበይቲ ቐቲላቶ ኸይብሉንስ፥ ሰይፍኻ መዚዝካ ቕተለኒ” በሎ። እቲ ጐበዝ ከዓ ወግኦ እሞ ሞተ።
እቲ ተሸካሚ ኣፅዋሩ ኸዓ ሳኦል ምሟቱ ምስ ረአየ፥ ንሱ ድማ ናብ ሰይፉ ወደቐ እሞ ምስኡ ሞተ።