4 ሽዑ ሳኦል ነቲ ኣፅዋሩ ዝሽከመሉ፥ “እዞም ዘይግሩዛት መፂኦም ከየላግፁለይስ፥ ሰይፍኻ ምዘዝ እሞ ቕተለኒ” በሎ። እቲ ኣፅዋሩ ዝሽከመሉ ግና እምብዛ ስለ ዝፈርሐ፥ ኣይፈተወን። ሽዑ ሳኦል፥ ኣብ ልዕሊ ሰይፉ ወዲቑ ሞተ።
ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ከይሕጐሳ፥ ኣዋልድ እቶም ዘይግሩዛት ደስ ከይብለንስ፥ እዙይ ኣብ ጌት ኣይነገር፤ ኣብ ኣደባባያት ኣስቃሎናውን ኣይወረ።
እቲ ዝነገሮ መንእሰይ ከዓ “ብኣጋጣሚ ናብ እምባ ጊልቦዓ መፃእኹ፤ እንሆ ድማ፥ ሳኦል ኲናቱ ተመርኲሱ ደው ኢሉ ነበረ፤ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ከዓ ኣርከብዎ።
ኣኪጦፌል ከም ምኽሩ ኸም ዘይተገብረ ምስ ረአየ፥ ኣድጉ ፅዒኑ ንኸተማኡ ናብ ቤቱ ኸደ። ቤቱ ኣመሓዲሩ ድማ ተሓኒቑ ሞተ፤ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ኸዓ ተቐበረ።
ዘምሪ እታ ኸተማ ኸም ዝተትሓዘት ምስ ረአየ፥ ናብ ውሽጢ ህንፃ ቤት ንጉስ ኣትዩ፥ ነታ ቤት ንጉስ ኣብ ልዕሊኡ ብሓዊ ኣባርዓ።
ኣብቲ ሳኦል ዝነበሮ ኸዓ ውግእ በርትዐ፤ እቶም ወርወርቲ ቀስቲውን ኣርኪቦም ወግእዎ።
እቲ ኣፅዋሩ ዝሽከመሉ ኸዓ፥ ሳኦል ከም ዝሞተ ምስ ረአየ፥ ንሱውን ኣብ ልዕሊ ሰይፉ ወዲቑ ሞተ።
ሕዚ ግና፥ እንሆ እዝ ሰብዙይ ብዓስቢ ዓመፃኡ፥ ግራት ዓደገ፤ ብግንባሩ ተደፊኡ ኸዓ፥ ኣብ ክልተ ተተርተረ፤ ኵሉ ኣምዑቱ ድማ ተዘርገፈ።
እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተበራበረ፥ መዓፁ እታ ቤት ማእሰርቲ ተኸፊቱ ምስ ረአየ፥ እቶም እሱራት ዘምለጡ መሲልዎ፥ ሰይፉ መዚዙ ባዕሉ ንባዕሉ ኽቐትል ደለየ።
ሶምሶን ከዓ የመና ፀምአ እሞ “እዝ ዓብዪ ምድሓን እዙይ ንባርያኻ ሃብካ፤ ሕዚ ኸዓ ብፅምኢ ማይ ክመውት፥ ኣብ ኢድ እቶም ዘይግሩዛትውን ክወድቕ ድየ?” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ለመነ።
እቶም ፍልስጥኤማውያን ግና ሒዞም ኣዒንቱ ጐጥጐጥዎ። ኣብ ጋዛ ኣውሪዶም ድማ ብሞቕሕ ነሃስ ኣሰርዎ፤ ኣብቲ ቤት እሱራት ከዓ ይጥሕን ነበረ።
ሽዑ ነቲ ኣፅዋሩ ዝስከመሉ ጐበዝ ቀልጢፉ ፀዊዑ፥ “ሰበይቲ ቐቲላቶ ኸይብሉንስ፥ ሰይፍኻ መዚዝካ ቕተለኒ” በሎ። እቲ ጐበዝ ከዓ ወግኦ እሞ ሞተ።
ዮናታን ድማ ነቲ ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይ “እግዚኣብሄር ብብዙሓት ኮነ ብውሑዳት ገይሩ ኸድሕን ይኽእል እዩ እሞ፥ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ይሕግዘና ይኸውን፥ ንዓናይ፥ ናብ ጭፍራ እዞም ዘይግሩዛት ሰባት ንሳገር” በሎ።
ዳዊት ድማ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት “እዝ ዘይግሩዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ፤ ንሰራዊት ህያው እግዚኣብሄር ዘባጩ ዘሎ እንታዋይ እዩ? ነዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ቀቲሉ ኻብ እስራኤል ውርደት ንዘርሕቕ ሰብኣይከ እንታይ ክግበረሉ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም።
ኣነ ሓሽከርካ ኣንበሳን ድብን ዝቐተልኩ ሰብ እየ። እዝ ዘይግሩዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ከዓ ንሰራዊት ህያው ኣምላኽ ኣባጭዩ እዩ እሞ፥ ከም ሓደ ኻብኣቶም ክኸውን እዩ” በሎ።
ሳኦል ድማ ነቲ ኣፅዋሩ ዝፀውር፥ “እዞም ዘይግሩዛት መፂኦም ወጊኦም ከየላግፁለይስ፥ ሰይፍኻ ምዘዝ እሞ ብእኡ ቕተለኒ” በሎ። እቲ ተሸካሚ ኣፅዋሩ ግና እምብዛ ፈሪሑ ነበረ እሞ ኣበዮ። ሽዑ ሳኦል ኣብ ልዕሊ ሰይፉ ወዲቑ ሞተ።