3 ኣብቲ ሳኦል ዝነበሮ ኸዓ ውግእ በርትዐ፤ እቶም ወርወርቲ ቀስቲውን ኣርኪቦም ወግእዎ።
ፍልስጥኤማውያን ከዓ ንሳኦልን ንደቁን እግሪ እግሮም ስዒቦም ኣባረርዎም። ፍልስጥኤማውያን ድማ ነቶም ደቂ ሳኦል፥ ንዮናታንን ንኣሚናዳብን ንሜልኪሳን ንሰዓን ቀተልዎም።
ሽዑ ሳኦል ነቲ ኣፅዋሩ ዝሽከመሉ፥ “እዞም ዘይግሩዛት መፂኦም ከየላግፁለይስ፥ ሰይፍኻ ምዘዝ እሞ ቕተለኒ” በሎ። እቲ ኣፅዋሩ ዝሽከመሉ ግና እምብዛ ስለ ዝፈርሐ፥ ኣይፈተወን። ሽዑ ሳኦል፥ ኣብ ልዕሊ ሰይፉ ወዲቑ ሞተ።
ካብ ጐያዪ ህድማ ይጠፍእ፤ ብርቱዕውን ብብርተዐኡ ኣይብርትዕን፤ እቲ ሓያልውን ንነፍሱ ኣየድሕንን።