2 ፍልስጥኤማውያን ከዓ ንሳኦልን ንደቁን እግሪ እግሮም ስዒቦም ኣባረርዎም። ፍልስጥኤማውያን ድማ ነቶም ደቂ ሳኦል፥ ንዮናታንን ንኣሚናዳብን ንሜልኪሳን ንሰዓን ቀተልዎም።
ብዘመን መንግስቲ ኢዮስያስ ፈርዖን ኒካዑ ንጉስ ግብፂ ንንጉስ ኣሶር ክዋግኦ ናብ ሩባ ኤፍራጥስ ደየበ። ንጉስ ኢዮስያስ ድማ ኽከላኸሎ ወፀ፤ ኒካዑ ኸዓ ተዋግኦ እሞ ኣብ መጊዶ ቐተሎ።
ንደቂ ሴዴቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሓረድዎም፤ ንሴዴቅያስ ከዓ ኣዒንቱ ኣዕወርዎ። ብኽልተ ሰንሰለት ነሃስ ኣሲሮም ድማ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።
ኣብቲ ሳኦል ዝነበሮ ኸዓ ውግእ በርትዐ፤ እቶም ወርወርቲ ቀስቲውን ኣርኪቦም ወግእዎ።
ኔር ንቂስ ወለደ፤ ቂስ ንሳኦል ወለደ፤ ሳኦል ድማ ንዮናታንን ንሜልኪሳን ንኣሚናዳብን ንኣስባዓልን ወለደ፤
ኔር ንቂስ ወለደ፤ ቂስ ንሳኦል ወለደ፤ ሳኦል ከዓ ንዮናታንን ንማልኪሳን ንኣሚናዳብን ንኣስባዓልን ወለደ።
ኣይትስገደሎም፤ ኣይተምልኮምውን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቐናእ ኣምላኽ እየ እሞ፥ ንዝፀልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ዝቐፅዕ፥
ኣወዳት ደቂ ሳኦል፥ ዮናታን፥ የሱዊ፥ ሜልኪሳ ይብሃሉ ነበሩ። እተን ክልተ ኣዋልዱ ኸዓ፥ እታ በዅሪ ሜሮብ፥ እታ ንእሽተይ ድማ ሜልኮል ይበሃላ ነበራ።
ዮናታን ድማ ነቲ ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይ “እግዚኣብሄር ብብዙሓት ኮነ ብውሑዳት ገይሩ ኸድሕን ይኽእል እዩ እሞ፥ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ይሕግዘና ይኸውን፥ ንዓናይ፥ ናብ ጭፍራ እዞም ዘይግሩዛት ሰባት ንሳገር” በሎ።
ፍልስጥኤማውያን ከዓ ንሳኦልን ንደቁን እግሪ እግሮም ሰዓብዎም። ንደቁ ዮናታንን ንኣሚናዳብን ንሜልኪሳንን ቀተልዎም።