1 ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ ደቂ እስራኤል ተዋግኡ፤ ሰብ እስራኤል ከዓ ኻብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ። ብዙሓት ድማ ተወጊኦም ኣብ እምባ ጊልቦዓ ተቐተሉ።
ኣቱም እምባታት ጊልቦዓ! ዋልታ ሓያላት ኣብኡ ወዲቑ እዩሞ፥ ዋልታ ሳኦል ብዘይቲ ኸም ዘይተቐብአ፥ ኣባኻትኩም ተደርቢዩ እዩ እሞ፥ ኣውልን ዝናምን ኣይውረድኩም፤ ኣባኻትኩም ከዓ ንመስዋእቲ ዝኸውን እኽሊ ዘፍርዩ ገራሁ ኣይሃልዉኹም።
እቲ ዝነገሮ መንእሰይ ከዓ “ብኣጋጣሚ ናብ እምባ ጊልቦዓ መፃእኹ፤ እንሆ ድማ፥ ሳኦል ኲናቱ ተመርኲሱ ደው ኢሉ ነበረ፤ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ከዓ ኣርከብዎ።
ዳዊት ድማ ኸይዱ ኣዕፅምቲ ሳኦልን ኣዕፅምቲ ዮናታን ወዱን ካብ ሰብ ኢያቢስ ገለዓድ ወሰደ። (ፍልስጥኤማውያን በታ ንሳኦል ኣብ ጊልቦዓ ዝቐተሉላ መዓልቲ ሰቒሎምዎም ነበሩ፤ ሰብ ኢያቢስ ገለዓድ ከዓ ኻብቲ ኣደባባይ ቤትሳን ሰሪቖም ወሲዶምዎም ነበሩ።)
ንፅባሒቱ እቶም ፍልስጥኤማውያን ነቶም ዝሞቱ ኽገፍዎም መፁ፤ ንሳኦልን ንደቁን ከዓ ኣብ እምባ ጊልቦዓ ወዲቖም ረኸብዎም።
ኤሴል ድማ ዓዝሪቃም፥ ቦክሩ፥ እስማኤል፥ ሸዓሪያ፥ ዓብድዩ፥ ሓናን፥ ዝበሃሉ ሽዱሽተ ደቂ ነበርዎ። እዚኣቶም ደቂ ኤሴል እዮም።
በቲ ጊዜ እቱይ ፍልስጥኤማውያን ምስ እስራኤል ክዋግኡ ሰራዊቶም ኣኽተቱ። ኣንኩስውን ንዳዊት “ንስኻን ሰብካን ምሳይ ተሰሊፍኩም ከም እትዋግኡ ብርግፅ ፍለጥ” በሎ።
ፍልስጥኤማውያን ከቲቶም መፂኦም፥ ኣብ ሱንም ሰፈሩ። ሳኦል ድማ ንዅሉ እስራኤል ኣኽተተ፤ ኣብ ጊልቦዓ ኸዓ ሰፈሩ።