43 ኣብ እስራኤል ንጉስ ገና ኸይነገሰ እንተሎ፥ ኣብ ምድሪ ኤዶምያስ ቅድም ዝነገሱ ነገስታት እዚኣቶም እዮም፦ ባላቅ ወዲ ቢዖር፥ ኣብ ከተማኡ ኣብ ዲንሃባ ኾይኑ ነገሰ።
እቲ ኽገዝእ ዝግብኦ ክሳዕ ዝመፅእ፥ ኣህዛብውን ክሳዕ ዝግዝእዎ፥ በትሪ መንግስቲ ኻብ ይሁዳ፥ ዘንጊ ገዛኢ ኸዓ ኻብ ማእኸል ኣእጋሩ፥ ኣይሰኣንን እዩ።
ደቂ ኤፅር፦ ቢልሓን፥ ዛዕዋን፥ ዓቃን፥ ደቂ ዲሳን፦ ዑፅ፥ ኣራን እዮም።
ካብ ሞሴሮት ተልዒሎም፥ ኣብ ብኔያዕቃን ሰፈሩ።