3 ያሬድ ንሄኖክ፥ ሄኖክ ንማቱሳላ፥ ማቱሳላ ንላሜህ ወለደ።
ሄኖስ ንቃይናን፥ ቃይናን ንመላልኤል፥ መላልኤል ንያሬድ ወለደ።
ላሜህ ንኖህ፥ ኖህ ከዓ ንሴምን ንካምን ንያፌትን ወለደ።
ሄኖክ ምእንቲ ኸይመውት፥ ብእምነት ንላዕሊ ተወሰደ፤ እግዚኣብሄር ናብ ሰማይ ስለ ዝወሰዶ ኸዓ ኣይተረኽበን። ቅድሚ ምውሳዱ፥ ብእኡ ኸም ዝተሓጐሰ እግዚኣብሄር መስኪሩሉ እዩ እሞ።
እቲ ኻብ ኣዳም ሻውዓይ ትውልዲ ዝኾነ ሄኖክውን፥ ብዛዕባ እዞም ሰባት እዚኣቶም፦ “እንሆ፥ ጐይታ ንዅላቶም ክፈርዶም፥ ምስ ኣእላፋት ቅዱሳኑ ኽመፅእ እዩ። ነቶም ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘይብሎም ኵላቶም ድማ፥ ብዛዕባ እቲ ብኽፉእ መንገዲ ዝገብርዎ ዅሉ ኽፉእ ግብርን፥ ብዛዕባ እቲ ኽፍኣት ሓጢኣተኛታትን፥ ብዛዕባኡ ዝተዛረብዎ ዅሉ ዘረባ ድፍረትን፥ ክቐፅዖም እዩ” ኢሉ ተነበየሎም።