12 ንነፍተሂምን፥ ንፈትሩሲምን ነቲ ኻብኡ ፍልስጥኤማውያን ዝተወለዱ ኻስሉሂምን ንከፍቶሪምን ወለደ።
ሚፅራይም ከዓ ንሉዲምን ንዓናሚምን ንላህቢምን፥
ከነዓን ድማ ንሲዶን በዅሪ ወዱን፥
እዙይ ዝኸውን፥ ንዅሎም ፍልስጥኤማውያን ንምጥፋእ፥ ንተረፍ ሓገዝቶም፥ ካብ ጢሮስን ሲዶናን ንምቝራፅ፥ መዓልቱ በፂሑ እዩሞ፥ እግዚኣብሄር፥ ነቶም ካብ ገማግም ከፍቶር ዝመፁ፥ ተረፍ ፍልስጥኤማውያን ከጥፍኦም እዩ።
“ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ንስኻትኩም ንኣይ ከም ኢትዮጵያውያንዶ ኣይኮንኩምን? ይብል እግዚኣብሄር። ንእስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ንፍልስጥኤማውያን ካብ ከፍቶር፥ ንሶርያውያን ከዓ ኻብ ቂር ዘውፃእኽዎም ኣነዶ ኣይኮንኩን?
ነቶም ኣብተን ክሳዕ ጋዛ ዝበፅሓ ዘለዋ ዓድታት ሰፊሮም ዝነበሩ ዓዋውያን ድማ፥ ካብ ከፍቶር ዝወፁ ኮፍቶራውያን ኣጥፍእዎም፤ ኣብቲ ቦታኣቶም ድማ ተቐመጡ።)