Aanlyn Bybel

- Advertensies -

መዝሙረ ዳዊት 1 - መፅሓፍ ቅዱስ


ቀዳማይ መፅሓፍ (መዝሙር 1-41) ሓቀኛ ብፅእና

1 ብምኽሪ ኽፉኣት ዘይኸደ፥ ኣብ መንገዲ ሓጥኣን ከዓ ዘይቆመ፥ ኣብ መንበር መላገፅቲ ድማ ዘይተቐመጠ ብፁእ እዩ።

2 እኳ ደኣ ብሕጊ እግዚኣብሄር ይሕጐስ፤ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን የስተንትኖ።

3 ንሱ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ ከም ዝተተኽለት፥ በብእዋኑ ፍረኣ ከም እትህብ፥ ቈፅላውን ከም ዘይረግፍ ኦም ይኸውን፤ ኵሉ ዝገብሮውን ይሰልጠሉ።

4 እቶም ክፉኣት ግና ኸምዙይ ኣይኮኑን፤ ንሳቶም፥ ከምቲ ንፋስ ፀሪጉ ዝወስዶ በነንታ እዮም።

5 ስለዙይ ክፉኣት ብፍርዲ፥ ሓጥኣንውን ኣብ ማሕበር ፃድቃን ኣይቖሙን እዮም።

6 እግዚኣብሄር ንመንገዲ ፃድቃን ይፈልጦ እዩሞ፤ መንገዲ ክፉኣት ግና ኽትጠፍእ እያ።

Volg ons:



Advertensies