ኢሳይያስ 1 - መፅሓፍ ቅዱስ1 ብነገስታት ይሁዳ ብዖዝያንን ኢዮኣታምን ብኣካዝን፥ ብዘመን ሕዝቅያስን፥ ወዲ ኣሞፅ ኢሳይያስ ብዛዕባ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ዝረአዮ ራእይ። እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኸም ዝገሰፆም 2 እግዚኣብሄር ተናጊሩ እዩሞ፥ ኣቱም ሰማያት ስምዑ! ኣቲ ምድሪ እውን ፅን በሊ! ውሉድ ወለድኩን ኣዕበኹን፥ ንሳቶም ግና ኣብ ልዕለይ ዓመፁ። 3 ብዕራይ ንዋናኡ፥ ኣድጊውን ናይ ጐይታኡ መብልዒ ኸፍቲ ይፈልጥ፤ እስራኤል ግና ኣይፈለጠን፤ ህዝበይውን ኣየስተውዓለን። 4 ኣቱም ዓሌት ሓጥኣን! በደል ዝመልአኩም ህዝቢ፥ ዘርኢ ገበርቲ ኽፉእ፥ ርኽሰት እትፍፅሙ ውሉዳት፥ ወይለኹም! ንእግዚኣብሄር ሓደግዎ፤ ንናይ እስራኤል ቅዱስውን ነዓቕዎ፤ ንድሕሪት ድማ ተመለሱ። 5 ዓመፅ ኣብ ልዕሊ ዓመፅ እናወሰኽኩም ስለ ምንታይ ትቕፅዑ? እንሆ፥ ኵሉ ርእሲ ንሕማም፥ ኵሉ ልቢውን ንድኻም ኮይኑ እዩ። 6 ካብ ከብዲ እግሪ ጀሚሩ ኽሳዕ ፀጕሪ ርእሲ፥ ጥዕና የብሉን፤ ቍስልን ሕበጥን ዝመግልንውን እዩ፤ ኣይነትዐን፤ ኣይተፀገነን፤ ብዘይትውን ኣይለስለሰን። 7 ሃገርኩም ዓንያ፥ ከተማታትኩምውን ብሓዊ ተቓፂለን፤ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ጓኖት ንገራሁኹም ይበልዕዎ፤ ጓኖት ከም ዘፍረስዋ ምድሪ ዓነወት። 8 ጓል ፅዮን ከዓ ኸምቲ መከላኸሊ ዘይብሉ፥ ኣብ ማእኸል ኣታኽልቲ ወይኒ ዘሎ ዳስ፥ ኣብ ውሽጢ ተኽሊ ዱባ ኸም ዘሎ ጐጆን፥ ከም ዝተኸበበት ከተማ ኾይና ተረፈት። 9 ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዘርኢ እንተ ዘየትርፈልናስ፥ ከም ሰዶም ምኾንና፤ ንገሞራውን ምመሰልና ኔርና። 10 ኣቱም መራሕቲ ሰዶም ቓል እግዚኣብሄር ስምዑ፤ ኣቱም ህዝቢ ገሞራውን፥ ናብ ሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ፅን በሉ። 11 “ብዝሒ መስዋእትኹም ንኣይ እንታይ ይጠቕመኒ?” ይብል እግዚኣብሄር። “ዘቕረብኩምለይ ዝቃፀል መስዋእቲ ዲበላታትን፥ ዝቃፀል መስዋእትን ስብሒ ዝራብዕን ፀጊበ ኣለኹ። ደም ዝራብዓት ኮነ ደም ማጓሉ ወይ ደም ዲበላታት ኣየሕጕሰንን እዩ። 12 ኣብ ቅድመይ ክትረኣዩ ናባይ ክትመፁ፥ ቅፅሪ ቤተ መቕደሰይ ክትረግፁኸ መን ደለየኩም? 13 ከንቱ ዝኾነ መባእ ወሲኽኩም ኣይተምፅኡለይ። ዕጣንኩም ብኣይ ፅዩፍ እዩ፤ በዓላት ሰርቂ ወርሕኹምን ሰናብትኹምን ብኽፍኣት ዝተመልአ ኣኼባታትኩምን ክዕገሶ ኣይከኣልኩን። ክፍኣት እናገበርኩም እትገብርዎ ኣኼባታትውን፥ 14 ንበዓላት ሰርቂ ኣዋርሕኹምን ንዓመታዊ በዓላትኩምን ነፍሰይ ፀሊኣቶ ኣላ፤ ሸኽሚ ኾይኑኒ ኣሎ፤ ክዕገሶውን ኣይከኣልኩን። 15 “ኣእዳውኩም ናባይ እንተ ዘርጋሕኹም፥ ኣዒንተይ ካባኻትኩም ክኽውል እየ፤ ልመና እንተ ኣብዛሕኹምውን ኣይሰምዐኩምን እየ፤ ኣእዳውኩም ደም መሊአን እየንሞ። 16 ተሓፀቡ፤ ንርእስኹም ኣንፅሁ፤ ክፉእ ስራሕኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቑ፤ ክፉእ ምግባር ሕደጉ። 17 ሰናይ ምግባር ተምሃሩ፤ ፍትሒ ድለዩ፤ ንግፉዕ ርድኡ፤ ንደኽታማት ፍትሒ ኣውፅኡሎም፤ ንመበለታት ተጣበቑለን።” 18 “እምበኣር ንዑ፤ ንዋቐስ” ይብል እግዚኣብሄር “ሓጢኣትኩም ከም ጁዅ እኳ እንተ ቐይሐ፥ ከም በረድ ከፃዕድዎ እየ። ከም ደም እንተ ቐይሐውን፥ ከም ፃዕዳ ፀምሪ ክኸውን እዩ። 19 እሺ እንተ በልኩምንን እንተ ተኣዚዝኩምንን ግና፥ በረኸት ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም። 20 እምቢ ኢልኩም እንተ ዓሚፅኩም ግና፥ ሰይፊ ኽበልዐኩም እዩ። ኣፍ እግዚኣብሄር ነዙይ ተዛሪቡ እዩ እሞ።” ሓጢኣት ዝመልኣ ኸተማ 21 እታ ፍትሒ መሊእዋ ዝነበረ እምንቲ ኸተማ ኸመይ ኣመንዝራ ኾነት! ቀደም ፍትሒ ዝነበራ፥ ሓቂውን ዝመልኣ ነበረት፤ ሕዚ ግና መሕደሪ ቐተልቲ ነፍሲ ኾነት። 22 ብሩርኪ ናብ ምምራት ተለወጠ፤ ወይንኺውን ምስ ማይ ተሓዋወሰ። 23 ገዛእትኺ ሸፋቱን ኣዕርኽቲ ጐሓሉትን እዮም፤ ኵሎም ጉቦ ይፈትዉ፤ ደድሕሪ ጉቦውን ይጐዩ፤ ንደኽታም ፍትሒ ኣየውፅኡሉን፤ ጥርዓን መበለት ከዓ ኣብኣቶም ኣይበፅሕን እዩ። 24 ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ እቲ ናይ እስራኤል ሓያል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ልዕሊ ተፃረርተይ ቍጥዓይ ክገልፅ እየ። ነቶም ዝቃወሙኒውን ክብቀሎም እየ። 25 ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ኸልዕል እየ፤ ንዝዕገትኪውን ፈፂመ ኸፅርዮ፥ ንዅሉ ቆርቆሮኺ እውን ከወግዶ እየ። 26 ንፈራዶኺ ኸምቶም ቀደም ዝነበሩ፥ መማኽርትኺ ድማ ኸምቶም ብመጀመርታ ዝነበሩ ኽመልሶም እየ። ድሕሪኡ ኸተማ ፅድቂ፥ እምንቲ ኸተማ ተብሂልኪ ኽትፅውዒ ኢኺ።” 27 ፅዮን ብፍርዲ፥ እቶም ናብኣ ዝምለሱ ኸዓ ብፅድቂ ኽድሕኑ እዮም። 28 ዓመፀኛታትን ሓጢኣተኛታትን ግና ብሓደ ኽስበሩ እዮም። እቶም ንእግዚኣብሄር ዝሓድግዎ ድማ፥ ፈፂሞም ክጠፍኡ እዮም። 29 ብዝፈተኹምዋ ኦም ኣድባር ክትሓንኩ ኢኹም፤ በቶም ዝመረፅኩምዎም ኣታኽልቲውን ክትሓፍሩ ኢኹም። 30 ቈፅላ ኸም ዝፀምለወ ኦምን፥ ማይ ከም ዘይብሉ ኣታኽልትን ክትኮኑ ኢኹም። 31 እቲ ሓያል ከም ልሕፂ እንጣጢዕ፥ ስራሑውን ከም ቍልዒ ሓዊ ክኾኑ እዮም፤ ክልቲኦም ብሓደ ኽነዱ እዮም፤ ንኣኣቶም ዘጥፍእውን ሓደ እኳ የለን። |