መዝሙረ ዳዊት 1 - Tigrigna: Contemporary Tigrinya Bible 20241 ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስን ኣብ መገዲ ሓጥኣን ዘይቀውምን ኣብ ዝፋን መላገጽቲ ዘይቅመጥን ሰብ ብጹእ እዩ። 2 ባህታኡ ግና ብሕጊ እግዚኣብሄር እዩ። ኣብ ሕጉ ድማ ለይትን መዓልትን የስተንትን። 3 ከምቲ ኣብ ወሓይዝ ማይ እተተኽለ፡ ብግዜኡ ፍርያቱ ዚፈሪ ኦም ኪኸውን እዩ። ቆጽሉ እውን ኣይነቅጽን እዩ። ዝገብሮ ኩሉ ድማ ክስስን እዩ። 4 እኩያት ከምኡ ኣይኰኑን፡ ከምቲ ንፋስ ዚሰጕጎ ሓሰር እዮም። 5 ስለዚ ረሲኣን ኣብ ፍርዲ፡ ሓጥኣን ከኣ ኣብ ኣኼባ ጻድቃን ኣይኪቐውምን እዩ። 6 እግዚኣብሄር መገዲ ጻድቃን ይፈልጥ እዩ፣ መገዲ ረሲኣን ግና ክትጠፍእ እያ። |
Contemporary Tigrinya Bible
Copyright © 2024, by City Bible Foundation ®
Used with permission of City Bible Foundation ®. All rights reserved worldwide.
City Bible Foundation